ኦንልይን ዱኳናት
መሸጣ ኣየምልጥኩም። ዓማዊልኩም መቺእዎም ካብ ዝኾነ ቦታ 24/7 ክእዝዝኹም ብምኽኣል ኣታዊታትኩም የዕብዩ።
ኦንልይን ዱኳንኩም ክፈቱ፣ ትእዛዛትን ክፍሊትን ብጽፉፍ ተቐቢልኩም ዓማዊልኩም ኣአንግዱ - ብዝመረጽኩሞ ቋንቋታት።
ሕጂ ጀምሩ
ወረጃ ናትኩም ኦንላይን ዱኳን ብዘመዝገብኩሞ ዶሜይን ኔም ንምዉናን ዘኽእለኩም ፕላትፎርም (ሶፍትዌር) እዩ። ንሕና ዱኳንኩም ንስራሕ ብዝመረጽኩሞ መልክዕ ድልው ንገብረልኩም። ንስኹም ከኣ ኣብ ምምሕዳር ዱኳንኩምን ዓማዊልኩም ምእንጋድን ተተኩሩ።
ወረጃ ንዝኾነ ዓይነት ኣቕሓ ክትሸጥሉ ትኽእሉ ኦንልይን ዱኳን ክትዉንኑ የኽእለኩም። ንዞም ዝስዕቡ ዓይነት ዱኳናት ምቹእ እዩ።
መሸጣ ኣየምልጥኩም። ዓማዊልኩም መቺእዎም ካብ ዝኾነ ቦታ 24/7 ክእዝዝኹም ብምኽኣል ኣታዊታትኩም የዕብዩ።
ጠለብ ኣዕግቡ። ዓማዊል ዝፈትዉዎ መግብን መስተን ናብ ኣፍደገ ገዝኦም ክበጽሖም ብምግባር መሸጣኹም የዕብዩ።
ምዝገባታት ኣየምልጥኩም። ዓማዊልኩም ኦንልይን ኣብ ሆቴላትኩምን ታክሲኩምን ብቐሊሉ ክመዝግቡ ብምኻል ቢዝነስኩም የዕብዩ።
ወረጃ ንኦንልይን ዱኳንኩም ክትከፍቱ፣ ከተካይዱ፣ ከተዕብዩ ዘኽእለኩም ኩሉ ዘማልአ እዩ። ወረጃ ነዞም ዝስዕቡ የኽእለኩም፥
ንሕና ባዕለና ኦንላይን ዱኳንኩም ንስራሕ ኣዳሊና፣ እቲ ዱኳን ምእንጋድን ቀጻሊ ምምሕያሽን ንገብረልኩም - ካብ ቴክኒካዊ ጣጣ ነጻ ትኾኑ። ብተወሳኺ፥
ተመሳሰልቲ ኣቑሑት ብምሕባር፣ ዓማዊል ተወሰኽቲ ኣቑሑ ንኽሽምቱ የተባብዕ።
ኣብ ከም በዓል ጉጉል ዱኳንኩም ብቐሊሉ ዓማዊል ክረኽብኽም ይሕግዝ።
ኣብ ሰሌዳ ምሕደራ ትረኽብዎም መመሓደሪ መሳለጢያታት ብግቡእ ንኽትጥቀሙሎም ይሕግዝ።
እወ። ንኽትላማመዱዎን ክትፍትንዎን ከይከፈልኩም ክትጥቀሙሉ ክልተ ወርሒ ንህብ።
እወ፣ እቲ ዱኳን ባዕልኹም ብዘመዝገብኩሞ ሽም (domain name) እዩ ዝኽፈት።
ወርሓዊ ዝተወሰነ ክፍሊት ከምኡዉን ሚእታው ካብ ነብስወከፍ ዕድጊት ነኽፍል።